ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኽብካ
ኣብዚ፡ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ ማለት ምዃኑን: ከምኡውን ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ውይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኽብካ ኣየኖት ሓገዛት መሰል ከምዘሎካ ከተንብብ ትኽእል።
ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ እዩ?
ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት፡ንሕሙማትን ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ገንዘብ ዚኸፍል በዓል መዚ እዩ። እዚ ገንዘብዚ ድማ መተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳ ይብሃል።
ሰላም፡ እንኳዕ ናብ ቤትስልጣን ውሕስነት ካሳ ብደሓን መጻእኩም!
12 ደቒቕእዚ ፊልምዚ ንዓኻ ገና ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካን፤ ናይ መትከል-እግሪ ደሞዝ እትቕበልን ዚምልከት እዩ።
ኣብ መንጎ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳን (Försäkringskassan) ብሕታዊ ኩባንያ ውሕስነትን (privat försäkringsbolag) እንታይ ፍልልይ ኣሎ?
ኣብ ናይ ብሕታዊ ኩባንያ ውሕስነት (privat försäkringsbolag) ውሕስነት ንምርካብ: መጀመርያ ባዕልኻ ገንዘብ ክትከፍል ኣሎካ። ንኣብነት ንቤትካ ወይ ንማኪናኻ ንኸተውሕስ ክትከፍል ኣሎካ። ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan)፡ ውሕስነት እትረክብ ናይ ሽወደን መንብሪ ፍቓድ ምስ ዚህልወካን ዕድመኻ ድማ እንተወሓደ 16 ዓመት ምስ ዚኸውንን እዩ።
ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክምዝገብ ይግበኣኒዶ?
ንመተካእታ ደሞዝ ንምምልካት ሓገዝ ክረክብ እኽእልዶ?
እወ። ንኣየናይ ዓይነት መተካእታ ደሞዝ መሰል ከም ዘሎካን ከመይ ጌርካ ከም እተመልክትን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ሓገዝ ኣሎ።
1. ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ንእተፈላለየ መተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳታት ብዝምልከት ኣንብብ
እቲ ሓበሬታ ብሽወደን ወይ ብእንግሊዝ እዩ።
ቋንቋ ሽወደን ዚርድኣካ እንተኾይኑን ኤለክትሮኒካዊ መንነት (e-legitimation) እንተሎካን ኣብ Mina sidor ብምእታው ባዕልኻ ክትሕብርን ከተመልክትን ትኽእል። ሚና ሲዱር (Mina sidor) ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘሎ።
2. ንሓንቲ ካብተን ናይ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ ክፍሊ ኣገልግሎት (Försäkringskassans servicekontor) ብጽሓያ።
ኣብኡ ናይ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ሰራሕተኛታት ክትረክብ ኢኻ፡ እንታይ መሰል ከም ዘሎካን ከመይ ጌርካ ከም እተመልክትን ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።
3. ምስ ሓደ ኣሳላጢ ስራሕ ብቛንቋኻ ተዘራረብ
ንትግርኛ ተዛራቢ ንዝኾንካ መወከሲ ሓበሬታን ከምኡ ’ውን ሓበሬታን ኣኪብናልካ ኣለና::
ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ዚምልከት መተካእታ ደሞዝ
ኣብዚ፡ ብዛዕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ዚህልወካ መሰል ናይቶም ዝውቱራት መተካእታ ደሞዛት ከተንብብ ትኽእል። ኣብ ትሕቲ ነፍስወከፍ ኣርእስቲ ንተወሳኺ ሓበሬታ ዚምልከት መላግቦ ወይ ሊንክ ኣሎ። እዚ ሓበሬታዚ ድማ ብሽወደንን እንግሊዝን ኣሎ።
ዝውቱራት ሕቶታት
-
ህዝባዊ ክብሪ መዝገብ ማለት ኣብ ሽወደን ዚቕመጡ ሰባት ዚምዝገቡሉ መዝገብ እዩ። ኣብቲ መዝገብ ናይቲ ተመዝጋቢ ስምን መንበሪ ቦታን ይምዝገብ። እቲ ነዚ ዘካይድ ትካል፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ግብርን (Skatteverket) ይብሃል። ኣብ ናይ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ግብርን (Skatteverket) መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝባዊ ክብሪ መዝገብ ኣንብብ።
Skatteverket (skatteverket.se) External link, opens in new window.
-
እወ። ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እንተሎካ ልክዕ ከምቲ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ናይ ገንዘብ ምርካብ መሰል ኣሎካ።
-
ኣይፋልን። ኣብ ሽወደን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኽትረክብ ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትምዝገብ ወይ ኢንሹርድ ክትከውን ኣየድልን።
-
ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ/ኪ ወዲቑ እንከሎ: ከምኡ’ውን ካብ ክፍሊ ኢምግረሽን: ናይ መንበሪ ፍቓድካ መናውሒ ውሳነ እንዳተጸበኻ እንከሎኻ፥ ሓደ-ሓደ ሓገዛት ካብ ናይ ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትወስድ ተኽእሎ ኣሎ::
ነዚ ክትዋሃብ ክትገብሮ ዘለካ ከኣ፥
- እቲ ዘለካ ናይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ከይወደቐ እንከሎ: መናውሒ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ይግባእ።
- እቲ መናውሒ መንበሪ ፍቓድ ንኽዋሃበካ ትሓተሉ መሰረት ምኽንያት: ልክዕ ከምቲ ሕጂ ዘሎካ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋሃብካሉ ምኽንያት ኽኸውን ኣለዎ።
ትወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ክፍሊ ኢሚግረሽን መርበብ ገጽ-ሓበሬታ (homepage)፥
እንተደኣ ካብ ክፍሊ ኢሚግረሽን መንጸግቲ ወሲድካ
ነቲ ናይ ክፍሊ ኢሚግረሽን ውሳነ ይግባይ እንተደኣ ኢልካ: ሓድሽ ውሳነ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ገንዘብ ካብ ናይ ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትወስድ ትኽእል:: ነቲ ውሳነ ይግባይ እንተደኣ ዘይኢልካ: ካብ ናይ ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ዝወሃበካ ክፍሊት የቋርጽ::
ዝምድና ዘለዎ መላግቦ ወይ ሊንክ
ኣብዚ: ካብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ሓገዝ ትረክብ ትኽእል
ካልኦት ትካላት መንግስቲ
- Skatteverket (skatteverket.se) External link, opens in new window.
- Arbetsförmedlingen (arbetsformedlingen.se) External link, opens in new window.
- Pensionsmyndigheten (pensionsmyndigheten.se) External link, opens in new window.