Försäkringskassan's logo
Sign in
Keep in mind...

You are using an older version of your web browser. This means that you might not be able to use all of the functions of the website. We recommend that you update to a newer version.

ዕማምና ንጎነጽ ምግታእ

ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ጎነጽ: ኣብ ቀረባ ዝምድና ዘሎ ጎነጽ: ምስ ክብሪ ስድራ ምትንካይ ዝተሓሓዝ ጎነጽን ጭቆናን: ኣብ ናይ ፈሸክሪንስካሳን (Försäkringskassan) ዕማም ካብ ዝጠቓለሉ እዮም:: ንከምዚ ነገራት ዝተቓላዕካ ሰብ እምበኣር: ክንሕግዘካ እንተደኣ ኮይንና: ነዚ ዝመስል ተመኩሮ ኣለካ እንድሕር ኮይኑ ክንፈልጥ የድልየና እዩ::

እዚ ዕማም መበገሲኡ ካብ ክጥቀሱ ዝከኣሉ ንብሎም እምበኣር: ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ውዕላት: ውዕላት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ባይቶ ኤውሮጳ: ውዕል ናይ ኢስታንቡል: ኣጀንዳ 2030: ሕጊ ናይ ሃገረ ሽወደን: ዝርከብዎም እዮም::
ፈርሸክሪንስካሳን (Försäkringskassan) ናይ ማዕርነት ፖሎቲካዊ ዕላማታት ንኽብጻሕ ተረኡ ከበርክት እዩ:: ከምኡ’ ውን: እቲ ነዚ ክዉን ዝገብር ቀንዲ ስትራተጂ: ማዕርነት ጾታዊ ውህደት ክኸውን እዩ:: ንብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጎነጽ ዝከላኸልን ዝቃለስን ሃገራዊ ስትራተጂ እውን ኣሎ:: ኣብዚ ክንሰርሕ ‘ውን ዕማም ኣለና::

Nationell strategi för att förebygga våld (ብሽወደንኛ) (regeringen.se) External link, opens in new window.

Mäns våld mot kvinnor ska upphöra (ብሽወደንኛ) (jamstalldhetsmyndigheten.se) External link, opens in new window.

ብተወሳኺ ኣብዚ ናይዚ ትካል’ዚ መምርሒ ይኹን: ካልእ መንግስታዊ መምርሒታትን: ፍሉይ ናይ መንግስቲ ዕማማትን: ፈርሸክሪንስካሳን (Försäkringskassan) ኣብዚ ዓውዲ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ከካይድ ከምዘለዎ ሰፊሩ ይርከብ::

ስለምንታይ እዩ ምንጋር ኣገዳሲ ዝኸውን?

ግዳይ ናይ ጎነጽ ዝኾነ ሰብ: ብዙሕ ግዜ ብ ከቢድ ሕማምን: ክሳራ ናይ ስራሕን ኣታውን እዩ ዝጽሎ:: ጎነጽ ኣብ ኩሉ ጉጅለታትን ደረጃታትን ናይ ሕብረተሰብ እዩ ዝርአ:: ተመኩሮ ናይ ጎነጽ ኣለካ ማለት: ዓቢ ስነ-ኣእምራዊን ኣካላዊን: መጉዳእቲ ከውርድ ዝኽእል ገደባትን መከራን: ማለት ክኸውን ይኽእል:: ኩሉ ሰብ ካብ ጎነጽን ጭቆናን ነጻ ዝኾነ ሂወት ክመርሕ መሰል ኣለዎ:: ክወሃብ ዝኽእል ሓገዝ ኣሎ፣ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ትወስዶ ከኣ: ንስኻ ባዕልኻ በዚ ጉዳይ ተጸሊኻ እትርከብ: ብዛዕባ ተመኩሮታትካ ንክሕግዘካ ዝኽእል ገለ ሰብ ወይ ከኣ መንግስታዊ ትካል: ምንጋር እዩ::

Att bli utsatt för våld i en nära relation (ብሽወደንኛ) (1177.se) External link, opens in new window.

Brott i nära relation – här får du hjälp och stöd (ብሽወደንኛ) (polisen.se) External link, opens in new window.

ገለ ጉጅለታት: ብኣድልዎን ብተነጽሎን ዝመጸ: ኣብ ሓደ ፍሉይ ተነቃፊ ዝኾነ ኩነት: ክርከቡ ይኽእሉ:: እዚኦም ድማ፥ ኣካለ ስንኩላን: ነኣሽቱን ዕድመ ዝደፍኣ ደቂ-ኣንስትዮን: ኣባላት ስግረ ጾታዊ መንነትን ስምዒትን (HBTQ): ወይ ከኣ መበቆሎም ወጻእተኛታትን ዝኾኑ ሰባት ክኾኑ ይኽእሉ::

ፈርሸክሪንስካሳን (Försäkringskassan) እንታይ ክገብር ይኽእል፧

ፈርሸክሪንስካሳን (Försäkringskassan) ኣብ ሓገዛት ናይ ንጥፈት መተካእታ ደሞዝ (aktivitetsersättning): ናይ ተሃድሶ መተካእታ ደሞዝ (rehabilitetsersättning): ናይ ቀለብ ህጻን ሓገዝን (underhållsstöd) ከጻሪ እንከሎ: ንጎነጽ ዝምልከቱ ሕቶታት ብምሕታት: ብቐረባ ይሰርሕ:: እዚ ንገብሮ ከኣ: ንዓኻ: ንናይ ጎነጽ ተመኩሮታት ዘለካ ሰብ: ሓበሬታ ክትወስድን: ናብቲ ሓገዝን ደገፍን ክትወስደሉ ትኽእል ኣካል ክንውክሰካን እዩ::

ንስኻ ምስ እትሓምምን: ወይ ከኣ ኣካላዊ ጉድለት ምስ ዝህልወካ: ስራሕ ምእንቲ ክትጅምር ወይ ከኣ ካልእ ዕዮ ንኽትረክብ: ናይ ተሃድሶ ጻዕርታት ክግበረልካ: ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል:: ናይ ቀለብ ሓገዝ (underhållsstöd) ትወስድ እንተደኣኾንካ ከኣ: እቲ ነቲ ጎነጽ ቃልዕ ምዃን: ነቲ ትወስዶ ዘለኻ ሓገዝ ቀጻልነት ክህልዎ እዩ ማለት ክኸውን ይኽእል:: ብዛዕባ ዘጋጠመካ ጎነጽ ምንጋር: ናብ መንገዲ ሓገዝን ለውጥን ዝመርሕ: ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ::

ንጎነጽ ትቓሊዕካ ትፈልጥ እንተደኣ ኮይንካ

Last updated: