Försäkringskassan's logo
Sign in
Keep in mind...

You are using an older version of your web browser. This means that you might not be able to use all of the functions of the website. We recommend that you update to a newer version.

ኣብ ሽወደን ዕቝባ ምስ ሓተትካ

ኣብዚ፡ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ ማለት ምዃኑን ንኣኻ ከም ሓታቲ ዕቝባ ድማ ብምንታይ ከም ዚምልከተካን ከተንብብ ትኽእል።

ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ እዩ?

ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤታትን፡ ንሕሙማትን ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ገንዘብ ዚኸፍል በዓል መዚ እዩ። እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ድማ መተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳ (ersättning) ይብሃል።

ካብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ መሰል ኣሎኒ?

ንመንበሪ ፍቓድ ክትጽበ ከሎኻ ካብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) መሰል ገንዘብ የብልካን። ግን መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ: ካብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) መሰል ገንዘብ ኣሎካ።

ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኽብካ

Last updated: