Försäkringskassan's logo
Sign in
Keep in mind...

You are using an older version of your web browser. This means that you might not be able to use all of the functions of the website. We recommend that you update to a newer version.

ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኽብካ

ኣብዚ፡ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ ማለት ምዃኑን: ከምኡውን ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ውይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኽብካ ኣየኖት ሓገዛት መሰል ከምዘሎካ ከተንብብ ትኽእል።

ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) እንታይ እዩ?

ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት፡ንሕሙማትን ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ገንዘብ ዚኸፍል በዓል መዚ እዩ። እዚ ገንዘብዚ ድማ መተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳ ይብሃል።

ሰላም፡ እንኳዕ ናብ ቤትስልጣን ውሕስነት ካሳ ብደሓን መጻእኩም!

12 ደቒቕ

እዚ ፊልምዚ ንዓኻ ገና ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካን፤ ናይ መትከል-እግሪ ደሞዝ እትቕበልን ዚምልከት እዩ።

ኣብ መንጎ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳን (Försäkringskassan) ብሕታዊ ኩባንያ ውሕስነትን (privat försäkringsbolag) እንታይ ፍልልይ ኣሎ?

ኣብ ናይ ብሕታዊ ኩባንያ ውሕስነት (privat försäkringsbolag) ውሕስነት ንምርካብ: መጀመርያ ባዕልኻ ገንዘብ ክትከፍል ኣሎካ። ንኣብነት ንቤትካ ወይ ንማኪናኻ ንኸተውሕስ ክትከፍል ኣሎካ። ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan)፡ ውሕስነት እትረክብ ናይ ሽወደን መንብሪ ፍቓድ ምስ ዚህልወካን ዕድመኻ ድማ እንተወሓደ 16 ዓመት ምስ ዚኸውንን እዩ።

ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክምዝገብ ይግበኣኒዶ?

 

ኣይፋል፡ ክትምዝገብ ኣየድልየካን እዩ። ንመተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳ ምስ እተመልክት፡ እቲ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ነቲ መተካእታ ደሞዝ መሰል እንተሎካ ኪምርምር እዩ። ነቲ መተካእታ ደሞዝ መሰል ምስ ዝህልወካ ብቐጥታ ምዝጉብ ክትከውን ኢኻ።

 

ኣይፋልን፡ ምምዝጋብ ኣየድልየካን። ንመተካእታ ደሞዝ ክትሓትት ምስ ዘይተመልከት: ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ግድነት ክትምዝገብ ኣየድልየካን እዩ።

 

ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ወላድ እንተሎካ ኣብ ህዝባዊ ክብሪ መዝገብ ምስ ተመዝገብካ ክንውከሰካ ኢና። ሽዕኡ ናይ ህጻን ደገፍን (barnbidrag) ካልእ ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት ዝምልከት መተካእታ ደሞዛትን መሰል እንተሎካ ክንምርምር ኢና።

ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ወላድ እንተሎካ ንቤት ጽሕፈት ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትሕብር ኣሎካ። ሽዑ ንእተናውሐ ናይ ህጻን ደገፍ (förlängt barnbidrag) ወይ’ውን ካልእ መተካእታ ደሞዛት መሰል እንተሎካ ክንምርምር ኢና።

ናብ ሽወደን ብዘይ ህጻን እንተመጺእካ ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣየድልየካን እዩ። እንተደኣ ውላድካ ብድሕሬኻ ናብ ሽወደን እንተመጺኡ ግን ናብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትሕበር ኣሎካ። ሽዕኡ ንናይ ህጻን ደገፍን (barnbidrag) ካልእ ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤትታት ዝምልከት መተካእታ ደሞዛትን መሰል እንተሎካ ክንምርምር ኢና።

እቲ ህጻን ከም ዝመጸ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ኣገልግሎት ኣብያተጽሕፈትና ክትሕብር ትኽእል።

ክፍሊ ኣገልግሎት ድለ

ንመተካእታ ደሞዝ ንምምልካት ሓገዝ ክረክብ እኽእልዶ?

እወ። ንኣየናይ ዓይነት መተካእታ ደሞዝ መሰል ከም ዘሎካን ከመይ ጌርካ ከም እተመልክትን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ሓገዝ ኣሎ።

1. ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ንእተፈላለየ መተካእታ ደሞዝ ወይ ካሕሳታት ብዝምልከት ኣንብብ

እቲ ሓበሬታ ብሽወደን ወይ ብእንግሊዝ እዩ።

ቋንቋ ሽወደን ዚርድኣካ እንተኾይኑን ኤለክትሮኒካዊ መንነት (e-legitimation) እንተሎካን ኣብ Mina sidor ብምእታው ባዕልኻ ክትሕብርን ከተመልክትን ትኽእል። ሚና ሲዱር (Mina sidor) ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘሎ።

2. ንሓንቲ ካብተን ናይ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ ክፍሊ ኣገልግሎት (Försäkringskassans servicekontor) ብጽሓያ።

ኣብኡ ናይ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ሰራሕተኛታት ክትረክብ ኢኻ፡ እንታይ መሰል ከም ዘሎካን ከመይ ጌርካ ከም እተመልክትን ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።

ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ድለ

3. ምስ ሓደ ኣሳላጢ ስራሕ ብቛንቋኻ ተዘራረብ

ንትግርኛ ተዛራቢ ንዝኾንካ መወከሲ ሓበሬታን ከምኡ ’ውን ሓበሬታን ኣኪብናልካ ኣለና::

ሓበሬታ ብትግርኛ

ነቶም መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ዚምልከት መተካእታ ደሞዝ

ኣብዚ፡ ብዛዕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ዚህልወካ መሰል ናይቶም ዝውቱራት መተካእታ ደሞዛት ከተንብብ ትኽእል። ኣብ ትሕቲ ነፍስወከፍ ኣርእስቲ ንተወሳኺ ሓበሬታ ዚምልከት መላግቦ ወይ ሊንክ ኣሎ። እዚ ሓበሬታዚ ድማ ብሽወደንን እንግሊዝን ኣሎ።

 

ካብ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ናይ እግሪ ምትካል ትልሚ (etableringsplan) ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ፡ ካብቲ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan)ሓጋዚ መትከል እግሪ (etableringsersättning) ክትረክብ ትኽእል። ውላድ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ መንበሪ ቤት ምስ ዚህልወካ ናይ ምትካል እግሪ ተወሳኺ ሓገዝ (etableringstillägg) ወይውን ናይ ክራይ ገዛ መተካእታ ደሞዝ (bostadsersättning) ክትረክብ ትኽእል።

Etableringsersättning – ሓበሬታ ብትግርኛ (ብሽወደንኛ)

ፊልም ብትግርኛ፤

ሓጋዚ መትከል እግሪ - Etableringsersättning

1 ደቒቕ

 

ኩሉ ኣብ ሽወደን ዚቕመጥ ትሕቲ 16 ዓመት ውላድ ዘለዎ ሓገዝ ህጻናት (Barnbidrag) ይውሃቦ። እቲ ውላድ 16 ዓመት ምስ መለአ እቲ ሓገዝ ህጻናት (Barnbidrag) የቋርጽ። ግን እቲ ውላድ ገና ኣብ ማእከላይ ደረጃ ትምሀርቲ (grundskolan) እንተሎ፡ እተናወሐ ሓገዝ ህጻናት (förlängt barnbidrag) ይረክብ።

ካብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት (Migrationsverket) መዓልታዊ መተካእታ ደሞዝ (dagersättning) ትወስድ እንተኾንካ፡ ሓገዝ ህጻናት ክትረክብ ኣይትኽእልን።

ናብ ሽወደን ክትመጽእ ከሎኻ ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ምሳኻ ምስ ዚህሉ፡ ተመዝጊብካ ምስ ወዳእካ ንሓገዝ ህጻናት (Barnbidrag) ብዚምልከት ክንውከሰካ ኢና። ናብ ሽወደን በይንኻ ምስ እትመጽእ ግን፡ ዝኾነ ክትገብሮ ዘድልየካ ነገር የልቦን። እቲ ህጻን ብድሕረኻ ናብ ሽወደን ምስ ዚመጽእ፡ ከም ዝመጸ ክትሕብረና ይግባእ።

ሓገዝ ህጻናት (Barnbidrag) (ብሽወደንኛ)

ፊልም ብትግርኛ፤

ነቶም ህጻናት ዘለዎም ዚምልከት - Vad som gäller för dig med barn

1 ደቒቕ

 

መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning) ኣብ ክንዲ እትሰርሕ ወይ ስራሕ እትደሊ ወይ ትመሃር፡ ነዚ ኹሉ ገዲፍካ ንውላድካ ክትኣሊ ከሎኻ እትረኽቦ ገንዘብ እዩ።

ካብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት (Migrationsverket) መዓልታዊ መተካእታ ደሞዝ (Dagersättning) ትወስድ እንተዂንካ፡ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning) ክትረክብ ኣይትኽእልን።

ትርጉም ካብ ሽወደንኛ ብሰማንቲክስ ዝተዳለወ

ውላድኩም ኣብ ሽወደን ምቕማጥ ኪጅምር ከሎ፡ ዕድመኡ/ኣ ነተን መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning) ክትወስዱለን መሰል ዘሎኩም ቍጽሪ መዓልታት ይጸሉ’ዩ።

  • ውላድኩም ኣብ ሽወደን ምቕማጥ ኣብ ዚጅምረሉ፡ ዕድመኡ/ኣ 1 ዓመት ወይ ልዕልኡ እንተ ኾይኑ፡ ብስም ውላድኩም እንተ ዛየደ ናይ 200 መዓልቲ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ትወስዱ።
  • ውላድኩም ኣብ ሽወደን ምቕማጥ ኣብ ዚጅምረሉ፡ ዕድመኡ/ኣ 2 ዓመት ወይ ልዕልኡ እንተ ኾይኑ፡ ብስም ውላድኩም እንተ ዛየደ ናይ 100 መዓልቲ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ትወስዱ።

መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (Föräldrapenning) (ብሽወደንኛ)

ፊልም ብትግርኛ፤

ነቶም ህጻናት ዘለዎም ዚምልከት - Vad som gäller för dig med barn

1 ደቒቕ

 

ህጻን ምስ ዝህልወካ እሞ ክራይ ንኽትከፍል ወይ ንወርሓዊ ክፍሊት መንበሪ ቤት ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ከምኡውን ትሕቲ 29 ዓመት ዝዕድመኻ ምስ እትኸውን እሞ ውላድ ምስ ዘይህልወካ ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ክትረክብ እትኽእል ነቲ ገዛ ምስ እትውንኖ ወይ ውዕል ክራይ ምስ ዚህልወካን ብቐዳማይ ኢድ ወይ ብኻልኣይ ኢድ እተኻረኻ ምስ እትኸውንን ጥራይ እዩ። ምስ ሰብ ተደሪብካ እትነብር ወይ ናይ ካልእ ሰብ ክፋል ቤት ተኻሪኻ እትነብር ምስ እትኸውን ግን ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ክትረክብ ኣይትኽእልን።

ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ንህጻናት ዘለዎም ስድራቤት (ብሽወደንኛ)

ፊልም ብትግርኛ፤

ሓገዝ ክራይ ገዛ ንስድራቤት - Bostadsbidrag familj

1 ደቒቕ

ሓገዝ ክራይ ንኣኻ ካብ 18-28 ዕድመ ዘሎካ - Bostadsbidrag 18-28 år

42 ካልኢት

 

ተፋቲሕካ ምስ እትኸውን ወይ ምስ ናይቲ ህጻን ካልእ ወላዲ እተፈላለኻ ምስ እትኸውን እሞ እቲ ውላድ ምሳኻ ዚቕመጥ ምስ ዚኸውን፡ እቲ ካልኣይ ወላዲ እዩ ናይቲ ውላድ ሓገዝ ዝኸፍል። እዚ ኸኣ መናብዪ ሓገዝ (underhållsbidrag) ይብሃል። እቲ ካልእ ወላዲ ነቲ መናብዪ ሓገዝ (underhållsbidrag) ምስ ዘይከፍል፡ ናብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ናይ መናበዪ ደገፍ (underhållsstöd) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ብሓደ ንዘይነብሩ ወለዲ (ብሽወደንኛ)

ፊልም ብትግርኛ፤

መናበዪ ደገፍ - Underhållsstöd

1 ደቒቕ

 

ናይ ስንክልና: ሕዱር ሕማም ወይ ፍሉይ ክንክን ዘድልዮ ሕማም ዘለዎ ህጻን ምስ ዚህልወካ ነቲ ህጻን ንምክንኻን ናይ ክንክን ሓገዝ (vårdbidrag) ክትረክብ መሰል ኣሎካ።

ናይ ክንክን ሓገዝ (omvårdnadsbidrag) (ብሽወደንኛ)

 

ካርድ ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU-kortet) ካብ ሽወደን ናብ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ (EU)/ወይውን ሃገራት ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዞባ ኣውሮጳ(EES) ወይ ናብ ስዊዘርላንድ ምስ እትገይሽ ናይ ህጹጽ ሕማም ሕክምናን ክንክን ስንን መሰል ይህበካ።

EU-kort (ብሽወደንኛ)

ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወረቐት መንነት - EU-kort

46 ካልኢት

 

ደገፍ ክንክን ስኒ (Tandvårdsstödet) ነቶም ናይ ስኒ ሕክምና ኪገብሩ ንዝደልዩ ዝውሃብ ቁጠባዊ ደገፍ እዩ።

ኩሉ ኣብ ሽወደን ዝነብርን ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሕስነት ካሳ ምዝጉብ ዝኾነን: ካብ 23 ዓመት ዝመልኣላ ዕለት ጀሚሩ መሰል ናይ መንግስታዊ ደገፍ ክንክን ስኒ (statligt tandvårdsstöd) ኣለዎ። ንህጻናትን መንእሰያትን ትሕቲ እቲ ዝተጠቐሰ ዕድመ: ደገፍ ክንክን ስኒ (tandvård) ብነጻ እዩ።

መንግስታዊ ደገፍ ክንክን ስኒ (det statliga tandvårdsstödet) ክበሃል ከሎ፡ ሓፈሻዊ ሓገዝ ክንክን ስኒ (Allmänt tandvårdsbidrag)፡ ፍሉይ ደገፍ ክንክን ስኒ (Särskilt tandvårdsstöd) ከምኡ’ውን ሓገዝ ልዑል ክፍሊት (Högkostnadsskydd) የጠቓልል።

ደገፍ ክንክን ስኒ (Tandvårdsstödet) (ብሽወደንኛ)

 

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ንመተካእታ ደሞዛት ዚምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣሎ።

ኩሎም መተካእታ ደሞዛት (ብሽወደንኛ)

ዝውቱራት ሕቶታት

  • ህዝባዊ ክብሪ መዝገብ ማለት ኣብ ሽወደን ዚቕመጡ ሰባት ዚምዝገቡሉ መዝገብ እዩ። ኣብቲ መዝገብ ናይቲ ተመዝጋቢ ስምን መንበሪ ቦታን ይምዝገብ። እቲ ነዚ ዘካይድ ትካል፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ግብርን (Skatteverket) ይብሃል። ኣብ ናይ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ግብርን (Skatteverket) መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝባዊ ክብሪ መዝገብ ኣንብብ።

    Skatteverket (skatteverket.se) External link, opens in new window.

  • እወ። ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እንተሎካ ልክዕ ከምቲ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ናይ ገንዘብ ምርካብ መሰል ኣሎካ።

  • ኣይፋልን። ኣብ ሽወደን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኽትረክብ ኣብ ቤትጽሕፈት ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትምዝገብ ወይ ኢንሹርድ ክትከውን ኣየድልን።

  • ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ/ኪ ወዲቑ እንከሎ: ከምኡ’ውን ካብ ክፍሊ ኢምግረሽን: ናይ መንበሪ ፍቓድካ መናውሒ ውሳነ እንዳተጸበኻ እንከሎኻ፥ ሓደ-ሓደ ሓገዛት ካብ ናይ ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትወስድ ተኽእሎ ኣሎ::

    ነዚ ክትዋሃብ ክትገብሮ ዘለካ ከኣ፥

    • እቲ ዘለካ ናይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ከይወደቐ እንከሎ: መናውሒ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ይግባእ።
    • እቲ መናውሒ መንበሪ ፍቓድ ንኽዋሃበካ ትሓተሉ መሰረት ምኽንያት: ልክዕ ከምቲ ሕጂ ዘሎካ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋሃብካሉ ምኽንያት ኽኸውን ኣለዎ።

    ትወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ክፍሊ ኢሚግረሽን መርበብ ገጽ-ሓበሬታ (homepage)

    ሕቶን መልስን ብዛዕባ ንምንዋሕ ናይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ብመሰረት ግዝያዊ ሕጊ ዝምልከት (migrationsverket.se) External link, opens in new window.

    እንተደኣ ካብ ክፍሊ ኢሚግረሽን መንጸግቲ ወሲድካ

    ነቲ ናይ ክፍሊ ኢሚግረሽን ውሳነ ይግባይ እንተደኣ ኢልካ: ሓድሽ ውሳነ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ገንዘብ ካብ ናይ ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ክትወስድ ትኽእል:: ነቲ ውሳነ ይግባይ እንተደኣ ዘይኢልካ: ካብ ናይ ውሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ዝወሃበካ ክፍሊት የቋርጽ::

Last updated: